ኣብ ዝቕፅሉ 3 ኣዋርሕ 150 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ናብ ሃገር ክኣቱ ኢዩ – ኣይተ ኣህመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ 3 ኣዋርሕ 150 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ናብ ሃገር ከምዝኣቱ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ “ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ብትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣቢሉ በቢወርሑ ብማእኸላይ 50 ሚሊየን ሊትር ዘይቲ ክኣቱ ኢዩ” ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዕዳጋ ንምርግጋእ ኣብ ሓፀርቲ መዓልቲታት 12 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣቱ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ ሞንጎ እዚ ድማ 4 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብባቡር ተጓዓዒዙ ከምዝኣተወ እቶም ሚኒስትር ኣፍሊጦም፡፡

ብኣልኣዛር ታደለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment