ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ብትልሚ ልምዓት ኣባይቲ 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ናይ ሓባር ኣባይቲ ንምህናፅ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገሊፁ።
ብተወሳኺ ብንኡስ ፕሮግራም ልምዓት ኣባይቲ ገፀር ኣስታት 2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኣባይቲ ንምህናፅ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።
እቲ ሚኒስቴር ተልሚ 10 ዓመት ናብ ተግባር ንምሽግጋር ሎሚ መዓልቲ ሃገራዊ ጉባኤ የሳልጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ÷ ተሳትፎ ውልቀ ሴክተር ብዘጎልብት መገዲ “ስትራተቴጂ ልምዓት ኣባይቲ” ብዝብል ናይ ከተማን ገፀርን ኣብ ሓደ ሰነድ ተኣኪቡ ምድላዉ ተዛሪበን።
ብመሰረት እዚ ኣብ ከተማታት ተበፃሕቲን ተመጣጣኒን መንበሪ ኣባይቲ ብህፁፅ፣ ፅሬትን ብዝሓተን ንምቕራብ ዝተዳለወ ከመዝኾነ ገሊፀን።
ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ናይ ሓባር ኣባይቲ ንምህናፅ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ውልቀ ሴክተር 80 ሚኢታዊ ከምዝሽፍን አውን ሓቢረን።
ብይስማው ኣደራው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።