ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልቲታት ኣብ መብዛሕተኦም ኣብቆልቲ ፅዲያ ከባታት ዝሐሸ ዝርገሐ ዝናብ ከምዝህሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልቲታት ኣብ መብዛሕተኦም ኣብቆልቲ ፅዲያ ከባታት ዝሐሸ ዝርገሐ ዝናብ ከምዝህሉ ኢንስቲትዩት ሚቲዮሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ክፋል እታ ሃገር ኣብቶም ዝቕፅሉ 10 መዓልቲታት ልዑል መጠን ዝናብ ክረኽቡ ኢዮም፡፡

ብሓፈሻ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልቲታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ቄለምን ምዕራብን ወለጋ፣ ጅማ፣ ኢሉኣባቦራ፣ ምዕራብን ደበቡ ምዕራብን ሸዋ፣ ኣብ ኩለን ዞባታት ክልል ደቡብ፣ ዞባ ደቡብ ጎንደር፣ ዞባ ምብራቕን ምዕራብን ጎጃም ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል ተፈሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ከባቢታት ዙርያ ባህርዳር፣ ውሑዳት ከባቢታት ዞባ ሰሜን ጎንደር፣ ደቡብ ወሎ፣ ካብ ክልል ትግራይ ዞባታት ምዕራብን ሰሜንን፣ ካብ ክልል ሶማሌ ዞባታት ሲቲ፣ ኖጎበ፣ ኣፍዴር፣ ሸበልን ቆራሂን፣ ቦረናን ጉጂን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ 5 ዝናብ ክህሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ተባሂሉ።

ዝተረፉ ክፋላት ኢትዮጵያ ድማ ብመብዛሕትኡ ደረቓት ኮይኖም ክፀንሑ ኢዮም ኢሉ እቲ ኢንስቲትዩት።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment