ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ውሕጅን ጋህሲ መሬት ዘስዕብ ዝናብ ክህሉ ኢዩ – ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ 11 መዓልቲታ ዝህሉ ተደጋጋሚ ዝኾነ ከቢድ ዝናብ ውሕጅን ጋህሲ መሬትን ከስዕብ ስለዝኽእል ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብ፣ ሰሜን፣ ሰሜን ምብራቕን ማእኸላይን ክፋል እታ ሃገር ጥንኩር መጠንን ዝርገሐን ዝናብ ከምዝህሉ እቲ ኢንስቲትዩት ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብሓይሊ ፀሓይ ተሓጊዙ ካብ ዝፍጠር ጥንኩር ክዙናት ደበና ብምብጋስ ኣብ ምዕራብ፣ ደቡብ ምዕራብ፣ ሰሜን ምብራቕን ኣብ ማእኸላይን ከባቢታት እታ ሃር በረድን ነጎድጓድን ዝተሓወሶ ከቢድ መጠን ዘለዎ ዝናብ ክህሉ ኢዩ ተባሂሊ፡፡

ብምዃኑ ድማ ዝህሉ ተደጋጋሚ ዝኾነ ከቢድ ዝናብ ውሕጅን ጋህሲ መሬትን ከስዕብ ዝኽእል ዓቕሚ ስለዝህሉ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብሩ እቲ ኢንስቲትዩት ኣተሓሳሲቡ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ዝቕጥሉ 11 መዓልቲታት ኣብ ክልል ትግራይ ዞባታት ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕ፣ ማእኸላይ፣ ሰሜን ምዕራብን ምዕራብን፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን፣ ማእኸላይ፣ ደቡብን ምዕራብን ጎንደር፣ ዞባታት ሰሜን፣ ምዕራብን ምብራቕን ጎጃም፣ ዋግኽምራ፣ ኣዊ፣ ከባቢ ባህርዳር፣ ሰሜንን ደቡብን ወሎ፣ ሰሜን ሸዋ፣ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ፤ ኣብ ክልል ዓፋር ዞባታ ቅልበቲ፣ ፈንቲ፣ ኣውሲ፣ ማሂ፣ ሃሪን ጋቢን፤ ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባታት መተከል፣ ኣሶሳ፣ ማኦ ኮሞን ካማሺን፣ ኣብ ክልል ጋምቤላ ፍሉይ ዞባታት ኑዌር፣ ኣኝዋክ፣ ማዣንግን ኢታንግን ካብ ማእኸላይ ክሳብ ከቢድ መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝህልዎም ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ወለጋ፣ ሆሮ ጉዱሩ፣ ቄለም ወለጋ፣ ቡኖ በደሌ፣ ኢሉኣባቦር፣ ጅማ፣ ሰሜን ሸዋ (ሰላሌ)፣ ምዕራብ፣ ደቡብ ምዕራብን ምብራቕን ሸዋ፣ ኣርሲን ምዕራብ ኣርሲን፣ ምዕራብን ምብራቕን ሃረርጌ፤ ኣዲስ ኣበባ፤ ድሬዳዋን ሃረሪን፤ ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዞባታ ጉራጌ፣ ምብራቕ ጉራጌ፣ ሃዲያ፣ ሃላባ፣ ከምባታ፣ ስልጤ፣ የም፤ ጠምባሮ፣ ቀቤናን ፍሉይ ወረዳ ማረቆ፤ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባታት ዳውሮ፣ ከፋ፣ ሸካ፣ ቤንች ሸኮ፣ ኮንታ፤ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባታ ወላይታ፣ ጎፋ፣ ጋሞ፣ ጌዲኦ ኣማሮን ባስኬቶን፤ ኣብ መብዛሕተአን ዞባታት ክልል ሲዳማ ካብ ማእኸላይ ክሳብ ከቢድ መጠን ዘለዎ ዝናብ ክረኽባ ኢየን ተባሂሉ፡፡

Comments (0)
Add Comment