ኣብ ዝሓፉ 9 ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ሺሕ ሓደሽቲ ፕሮጀክታት መስኖ ተዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 1 ሺሕን 80 ሓደሽቲ ፕሮጀክታት መስኖ ህንፀቶም ከምዝተዛዘመ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣፍሊጡ።

መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ ዓውዲ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣይሻ መሃመድ (ኢ/ር) ከምዝገለፀኦ÷ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ዝተወገኑ ፕሮጀክታ መስኖን ከባቢ ሰበኽ ሳግምንዝነኣድ ውፅኢት ተመዝጊቡ።

ካብ ሞንጎ ዝተሳለጡ ተግባራት 1 ሺሕን 80 ዝኾኑ ሓደሽቲ ፕሮጀክታት መስኖ ከምዝተዛዘሙ ገሊፀን፡፡

በቶም ፕሮጀክታ መስኖ ልዕሊ 251 ሺሕን 500 ሄክታር መሬት ምልማዕ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ÷ “በዚ ድማ ልዕሊ 315 ሺሕን 400 ስድራ ተረባሕቲ ምግባር ተኻኢሉ ኢዩ” ኢለን።

ብድርቂን ብሓደጋ ውሕጅን ተጎዳእቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝርከቡ ሓረስቶት ምላሽ ንመሃብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ምዝራበን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment