ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ልዕሊ 894 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ልዕሊ 894 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ሻፊ ዑመር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ በዓል መዚ ካብ ፍርያት ቡን ጀሚሩ ክሳብ ኤክስፖርት ዝተዋደደ ስራሕቲ ቁፅፅር እናገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ በጀት ዓመት ልዕሊ 120 ሺሕ ቶን ቡን ናብ ወፃኢ ከምዝተለኣኸ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 43 ነጥቢ 66 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ልዕሊ 894 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበን እቲ ኣታዊ ብመንፅር ዝተትሓዘ ትልሚ 133 ሚኢታዊ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረን ኣብ መኽዚን ተኸዚኑን ዝተረኸበ ከምኡ እውን ኣብ ዕድጊት ፍርያት ሕጊ ዝተሓላለፉ ኣካላት ብዝተወሰደ ስጉምቲ ልዕሊ 83 ሚሊየን ብር ገንዘብ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ከምዝተገበረ ምሕባሮም ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment