ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ፍርያታት ልዕሊ 104 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረሒቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ፍርያታት ልዕሊ 104 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኮርፖሬሽን ፓርክታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ማርኬቲንግን ኮሙዩኒኬሽንን እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ሄኖክ ኣስራት ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ወርሒ እቲ ትካል ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ትኹን እምበር ኣብ ፓርክታት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ብምስራሕ ካብ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን ዝሐሸ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ፍርያታት ዝተረኸበ ኣታዊ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር 25 ሚኢታዊ ሓለፋ ኣለዎ ኢሎም፡፡

80 ሚሊየን ዶላር ዘውፅኡ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ተተካእቲ ፍርያታት ኣብቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ብምፍራይ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝተኸኣለ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ፓርክ ንልዕሊ 33 ሺሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ተኻኢሉ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ክልተ ዓበይቲ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚን ድሬዳዋን ናብ ስራሕ ክኣተዉ ኢዮም ኢሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment