ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 26 ቢሊየን ብር ዝግመቱ እታዎታት ሕክምና ኣድላዪ ቁፅፅር ብምግባር ናብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበበ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 26 ቢሊየን ብር ዝግመቱ እታዎታት ሕክምና ኣድላዪ ቁፅፅር ብምግባር ናብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝኣተዉ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ በዓል መዚ ብኣዋጅ ብመሰረት ዝተውሃቦ ሓላፍነት እቶም መድሓኒታት ድሕነነቶም፣ ፅሬቶም፣ ፈዋስነቶምን ኣግባባዊ ኣጠቓቕመኦምን ንምምሕያሽ ብዝተሰርሐ ኣድላዪ ቁፅፅር ብምግባር ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትዉ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።
ነዚ ዘየማልኡ ለዕሊ 32 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ብዘይሕጋዊ መገዲ ክኣትዉ ክብሉ ብምቁፅፃር ከይኣትዉ ከምዝተገበረ ኣብሪሁ።
Comments (0)
Add Comment