ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ቢሊየን ዶላር ካፒታል ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኣፍሲሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ቢሊየን ዶላር ካፒታል ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ከምዘፍሰሱ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ገሊፁ።

ናብ ሃገር ዝመፅኡ ሓደ ሚሊየን ዳያስፖራታት ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ዝሪኡሉ መድረኽ ብምስንዳእ እውን እታ ሃገር ንኢንቨስትመንት ዝኸውን ካፒታል ንኽትረክብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሌሊሴ ነሜ፥ ብፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ሃገር ዝኣትዉ ዳያስፖራታት ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ዝሪኡሎም መድረኻት እናተሰናድኡ ከምዝኾኑ ኣመልኪተን፡፡

እቶም መድረኻት ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚት ኣብ ዝወሃቦም ዓቕሚ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ንምርኣይ ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ገሊፀን።

እቲ ኮሚሽን ዳያስፖራ መዋእለ ንዋዩ ንምውፃን ኣብ ሃገሩ ዘፍስሰሉ ኣማራፂታትን ንምስታፍ እንትመፅ ዝተኣናገደሉ ንባዕሉ ዝኸኣለ ዴስክ ከምዝተኸፈተ ኣብሪሀን።

ኣባላት ዳያስፖራ ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታት ሒዞም ብምምፃእ ኣብ ኢንቨስትመንት ሃገር በቆል ሓገዝ ክገብሩ ዝኽእሉሉ ዕድል ከምዘሎ ሓቢረን።

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝነበረ ኲናት ስራሕ ኣቋሪፆም ዝነበሩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ብምትሕብባር ናብ ስራሕ ንምእታው እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment