ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ካብ ዳያስፖራ 9 ቢሊየን ዶላር ዝኸውን ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ተላኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ካብ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ 9 ቢሊየን ዶላር ዝኸውን ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተለኣኸ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፥ ዳያስፖራ እናካየዶ ዝርከብ ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ምንቅስቓስ ምትእኽኻብ እቶትን ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ዝዓለመ ዘተ ምስ ዝምልተከቶም ዲፕሎማሰኛታትን ተወከልቲ ጉጅለ ዳያስፖራ ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ብመርበብ ሓበሬታ ተዛቲየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ እዋን ብዙሓት ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናብ ሃገሮም ከየኣትዉን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ተሳታፊ ከይኾኑን ማዕቐብ ተነቢሩሎም ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን።

ድሕሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ ለውጢ ግን ንማሕበረሰብ ዳያስፖራ ሓዱሽ ዓይነት በሪታት ተሳትፎን ዕድል በዓል ቤትነትን ከምዝተፈጠረሉ ኢየን ዝገለፃ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ካብ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ 9 ቢሊየን ዶላር ዝኸውን ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝተለኣኸ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠሩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ክዋፈሩ ከምዝኸኣሉ ሓቢረን።

ብመንፅር ተግባራት ፐብሊክ ዲፕሎማሲ እውን ብውፅኢት ዝተዓጀቡ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ከምዝተሳለጡ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ መንግስቲ እውን ዳያስፖራ ከበርክቶ ዝኽእል ኩለመዳይ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ብምጥያሽ ትካላዊ ሓገዝ እናሃበ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment