ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ልዕሊ 300 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኢንቨስትመንት ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ኮሚሽን ኢንቨስትመነት ኣፍሊጡ።
ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ገምጋም ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት እዚ ባጀት ዓመት ተሳሊጡ።
ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ዘመን ጁነዲ፥ ኣብቲ ርብዒ ዓመት ለዕሊ 300 ሚሊየን ኮላር ንዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ዝተፈላለዩ ሼዳትን ዝለምዐ መሬትን ተዋሂቡ ኢሎም።
ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣቲዮም ኢንቨሰት ካብ ዝገበሩ ሰብ ሃፍቲ ልዑል ቁፅሪ ዝሓዘ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ሰብ ሃፍቲ ቻይና፣ ጃፓንን ቬትናምን ካብ መንጎ ዝተስሓቡ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።