ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት ብዝተወሰደ ስጉምቲ ጀብዲ ተፈፂሙ – መንግስቲ ክልል ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝወረሮም ከባቢታት ብዝተወሰደ ስጉምቲ ዓቢዪ ጀብዲ ከምዝተፈፀመ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ግዛው ሙሉነህ ገሊፆም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ወልዲያን ከባቢኣን፣ ጋይንትን ከባቢኡን፣ ዛሬማን ከባቢኡን፣ ሰቆጣን ከባቢኡን፣ ጋሸናን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት ብዝተወሰደ ወታደራዊ ስጉምቲ ዓበይቲ ስራሕቲ ከምዝተፈፀሙ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ጉጅለ ዝበፅሖ ሰብኣዊን ቁሳዊን ኪሳራ ከቢድ ከምዝኾነ ምግላፆም ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዚ ኮይኑ እናሃለወ መንቃሕቲ ማሕበረሰብ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ጉጅለ ህወሓት ንምድምሳስ ዝግበር ፃዕሪ ዘተዓናቕፉ ሓበሬታታት ካብ ምፍናው ንኽዕቀቡ ኣይተ ግዛው ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment