ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 15 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 707 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

በቲ ዝተገበረ ምርመራ 15 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ከምዝተረጋገፀ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ዕድመኦም ካብ 17 ክሳብ 38 ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ከምዝገኾኑ ገሊፀን።

ካብዚኣቶም እቶም ሸውዓተ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘለዎም እንትኾኑ፥ ሸውዓተ በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ዝነበሮም፤ ሓደ ሰብ ድማ ርክብ ይኹን ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብሉ ምዃኑ ኣብሪሀን።

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ቫይረስ ብዝተተሓሓዘ ክሳብ ሐዚ 48 ሺሕን 985 ሰባት ምርማራ ላቦራቶሪ ዝተገበረሎም እንትኸውን፥ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት ናብ 287 ክብ ክብል ክኢሉ።

በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ዝነበሩ 112 ሰባት ከምዝሓወዩ እውን እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment