ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 11 ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕን 424 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 11 ሰባት ብቫይረስኮሮና ምልካፎም ከምዝተረጋገፀ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ
 
እቶም ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኩሎም ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ዘለዎም እንትኾኑ፥ ዕድመኦም ድማ ካብ 19 ክሳብ 47 ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።
 
ካብቶም ብቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገፁ እቲ ሓደ ኣብ መቐለ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል እናተገበረሉ ዝፀንሐ ኢዩ ተባሂሉ።
 
ሸሞንተ ካብ ክልል ዓፋር፣ ሓደ ካብ ክልል ሶማሌ ሓደ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክፍሊ ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበሩን ብዝተገበረሎም ምርመራ ላቦራቶሪ ኣብ ደሞም ቫይረስኮሮና ከምዘለዎም ዝተረጋገፀን ኢዩ ኢለን።
 
ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ፥ ቁፅሪ ቫይረስኮሮና ዝተረኸቦም ሰባት 261 ከምዝበፅሑ ተሓቢሩ።
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment