ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት 287 ትካላት ልምዓት መንግስቲ ናብ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ተዘዋዊሮም ኢዮም – ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት 287 ትካላት ልምዓት መንግስቲ ናብ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ከምዝተዘዋወሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ 5ይ ዘበን ስራሕ ፍሉይ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ኣድሂቦም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐርቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።

ትካላት ልምዓት መንግስቲ ናብ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ምዘዝውዋር ብዝምልከት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተልዓለሎም እንትኸውን፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ብግደኦም ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ምስተገበረ ናብ ስልጣን ዝመፅአ መንግስቲ ናብ ውልቀ ንምዝውዋር ዝብል ሓዱሽ ለውጢ ፖሊሲ ከምዘይተገበረ ገሊፆም።

“ድሕሪ ለውጢ ዝኾነ ይኹን ትካል ልምዓት መንግስቲ ናብ ውልቀ ትካል ናይ ምዝውዋር ስራሕ ኣይተሰርሐን፤ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓማውቲ ግን 287 ትካላት ልምዓት መንግስቲ ናብ ውልቀ ትካላት ተዘዋዊሮም ኢዮም” ኢሎም።

ኣብ ኢትዮ ቴሌኮምን ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ተታሒዙ ዘሎ ቅዋም ሓዱሽ ካፒታልን ፍልጠትን ንምህናፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ሃፍቲ ዓለም ብዝለዓለ ብርኪ እናዓበይ ይርከብ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ዝዓቢ ዘሎ ሃፍቲ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ኣብ ጂዲፒ ርኡይ ለውጢ ንኸምፅእ፣ ስእነት ስራሕ ንኽቕንስን ዘሎ ዕቤት ንኽቕፅልን ምግባር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኢትዮ ቴሌኮም ቅድሚ ለውጢ ናይ ሸሞንተ ዓመት ልቓሕ ከምዝነበሮን ድሕሪ ለውጢ ብር 14 ቢሊየን ዕዳ ከምዝኸፈለን ኣብ መብርሂኦም ኣገንዚቦም።

ኣብዝ ሕዚ እዋን በዝሒ ዓማዊሉን እቶቱን ብልዑል ብርኪ ከምዝዓበየን ዝተዓቖረ ሃፍቱ ክጥቀም ከምዝተገበረን እውን ኣፍሊጦም።

ኣብ ኮርፖሬሽን ሽኮር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኣብ ኣወሃህባ ኣመራርሓ ብዝተሰርሐ ስራሕ ፋብካ ሽኮር ጣና በለስን ካልኦት ፋብሪካታት ሽኮርን ውፅኢታዊ እናኾኑ ከምዝመፅኡ ኣመልኪቶም።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ድማ ብዝተሰርሑ ስራሕን ብዝተወሰደ ውሳነን ዘኹርዕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ደዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሞ መዓልቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝተልዓሉሎም ካልኦት ዝተፈላለዩ ነጥቢታት እውን ምላሽን መብርሂ ሂቦም ኢዮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment