ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝኸውን 14 ነጥቢ 98 ቢሊየን ብር ካብ ህዝቢ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝኸውን 14 ነጥቢ 98 ቢሊየን ብር ካብ ህዝቢ ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ገሊፁ።

እቲ ግድብ ዝተጀመረሉ መበል 10 ዓመት ኣመልኪቱ ካባ 15 ክሳብ 25 መጋቢት 2013 ዓ.ም ናይ ቦንድ ሰሙን ከምዝካየድ እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ።

ባንኪ ልምዓትን ባንኪ ንግዲን ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ኣብ መላእ ሃገር ሰሙን ሽይጣት ቦንድ ከምዘካይዱ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣምባሳደር ግድብ ብምዃን ብፍትሓዊ ንይ ሓባር ተረባሕነት እቲ ግድብ ይህነፅ ከምዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ንክግንዘብ ከምኡውን ናይ ሳልሳይ ወገን ጣልቃ ኣታውነትን ኣድልዎኣዊ ውሳነን ንክኽበስ ሰፊሕ ስራሕቲ   ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ከምዝሰርሑ ተሓቢሩ።

በዚ እውን ብተፈጥሮ ሃፍትና ናይ ምጥቃም ሉእላውነት መሰልና ብምርግጋፅ እቲ ግድብ ኣብዚ ሐዚ እዋን 79 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment