ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነበሩ 218 ኢትዮጵያወያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 ( ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ካብ ስራሕ ወፃእ ዝኾኑ፣ ኣብ ማእሰርቲን ስደትን ዝነበሩ 218 ኢትዮጵያወያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቓል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ስራሕ ወፃእ ዝኾኑ፣ ኣብ ማእሰርቲን ስደትን ዝነበሩ 218 ኢትዮጵያወያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተዛሪቦም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ከተማ ቤሩት ብዝበፅሕ ሓደጋ ምፍንጃር ሓደ ኢትዮያዊ ህይወቱ ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ኣብ ልዕሊ 9 ኢትዮጵያውያን ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠሞም ኣብሪሆም።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ ቤሩት ዝርከባ ሰለስተ ከባቢታት ዝርከቡ ዜጋታት ጉድኣት ኣይበፅሖምን ኢሎም።

ይኹን እምበር እቲ ሓደጋ ስፍሓት ስለዘለዎ፥ ካልኦት ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ከይህልዉ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለፂኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ደምቢ ምምላእ ማይ ግድብ ምቕራባ ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ክልቲአን ሃገራት እቲ ደምቢ ንምርኣይ መዓልቲ ይወሃበና ስለዝበላ ከይዲ ድርድር ከምዝተቛረፀ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ምስ ግድብ ህዳሰ ዘይራኸብ ኣብ ክሊ ዘላቒ ኣጠቓቕማ ማይ ኣብ ስምምዕነት ንብፃሕ ብዝብል ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ኢትዮጵያ ኣይተቐበለቶን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዘላቒ አጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ብዝምልከት ብኻሊእ ድርድር ዝረአን ኩለን ተፋሰስቲ ሃገራት ዝተሳተፋሉ መድረኽ ጥራሕ ኢዩ ድርድር ክግበረሉ ዝግባእ ዝብል ቅዋም ከምዘለዋ እውን እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣገንዚቦም።

ብመሰረት ዝተትሓዘ ቆፀሮ፥ ኢትዮጵያ እቲ ሰለስተኣዊ ድርድር መፃኢ ሰኑይ 4 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ክቕፅል ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዋ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment