ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝተመዝገበ ዓወት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዝምዝገብ ዘመላኽት ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተመዝገበ ዓወት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዝምዝገብ ዘመላኽት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣፈፃፅማ ናይ መወዳእታ 100 መዓልቲታት እቲ በጀት ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ÷ ዝሓለፉ 100 መዓልቲታትን ካልኣይ ኣፈፃፅማ ሃገር በቆል ኢኮኖሚን ከምኡ እውን ኣንፈታት ትኹረት በጀት ዓመት 2017 ጠሚተን ፀብፃብ ኣቕሪበን።

በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ከምዝተኽል ብምግላፅ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 14 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ ተዛሪበን።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ 425 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ብምግላፅ፤ ካብ ሞንጎ እዚ 271 ቢሊየን ብር ካብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ዝተኣከበ ኢዩ።

ካብ ንግዲ ወፃኢ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ እውን ኣብሪሀን።

ካብ ሬሚታንስ 4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ ጉድለት በጀት መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብ14 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዝተኸኣለ ገሊፀን።

ኣብቶም ዝተፀርሑ ኣዋርሕ ን2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምኡ እውን ልዕሊ 300 ሺሕ ንዝኾኑ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘመላኽቱ ዝተመዝገበ ዓወት ኢትዮጵያ 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕቤት ከምተመዝግብ ዘመላኽት ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

Comments (0)
Add Comment