ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ን2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታተረ ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብብርኪ ሃገር 2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈርያት ካሚል ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣመልኪተን ኣብ ዘቕረበኦ ፀብፃብ፤ እቲ ሚኒስቴር ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት ትካል ብምዝዛም ናብ ካልኣይ ምዕራፍ ከምዝተሰጋገረ ኣብሪሀን።

መዳርግቲ አካላት እቲ ዓውዲ ብምክታት “ዓመተ-መፍረያይነት” ዝብል ስያመ ብመሃብ ሕድሕድ ስራሕቲ ናብ ውፅኢት ክቕየር አለዎ ዝብል ኣምር ተታሒዙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወን ገሊፀን።

ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ በሊዕኻ ናይ ምሕዳር ጉዳይ ጥራሕ ከምዘይኮነን እኳደኣስ ሃፍቲ መፍጠሪ መገዲ ከምዝኾነ ኣልዒለን።

እቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ምስ ልምዓት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ኢንቨስትመት ከምኡ እውን ምስ ኣገልግሎት ምትእስሳር ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።

ብመንፅር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ክእለት ዝመርሖ ኣምር ብምትግባር ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ን2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment