ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ንክልተ መዓልቲ እናተኻየደ ዝፀንሐ ገምጋም ኣፈፃፅማ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት 2015 ዓ.ም ኣባላት ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዛዚሙ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያአን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ “ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብፈተንቲ ኩነታት እናሓለፍና ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምስላጥ ዝተኸኣለሉ፤ ትልሚታትና ንምፍፃም ዝተርኣየ ትግሃትን ተበግሶን ዘበረታታዕን ተስፋ ዝህብን ምዃኑ ዝረኣናሉ ነይሩ” ኢለን፡፡

ብፍላይ ኣብ ስራሕቲ ምምሕያሽ ኣገልግሎት ትካላት ለውጢ ዘምፅእ ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኢሉ እውን ምንቅስቓስ እታ ከተማን ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ስራሕቲ ዓበይቲ ፕሮጀክታትን ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ከምዝርከቡ ከምዝተገምገመ ኣብሪሀን።

ይኹን እምበር ሕዚ እውን ድሌትን ሕቶታትን ህዝቢ ንምፍታሕ ዝተጀመረ ቅልጡፍ ጉዕዞ ለውጢ ክቕፅል ንምግባር ካብዚ ንላዕሊ ጉልበትና ብምሕዳስ ሓድነት ብምጥንኻርን ንዝለዓለ ውፅኢት ምትጋህ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን፡፡

“ሌብነትን ብልሹው ኣሰራርሓን ብቖራፅነት ብምቅላስ፣ ትካላዊ ዓቕሚ ብምጥንኻር፣ ስራሕቲ ሪፎርም ብምስላጥን ናይ ምፍፃም ዓቕምና ክብ ክብል ብምግባርን ንህዝብና ዝሐሸ ከምኡ እውን ስልጡን ኣገልግሎት ክነቕርብ ከምዝግበአና ተመልኪትና ኢና” ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment