ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ “ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ናይ ወገን ጦር ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ልዑል ክሳራ ኣብፂሑ ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ “ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ናይ ወገን ጦር ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝወሰዶ ስጉምቲ ልዑል ክሳራ ከምዘብፀሐ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ከበደ ዴሲሳ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣይተ ከበደ ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ “ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ናይ ወገን ጦር ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝወሰዶ ስጉምቲ ልዑል ክሳራ ኣብፂሑ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ክሳራ ብፍላይ ብዙሓት ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ክድምሰሱን ብኽፋል ድማ ሙሩኻትን ቁሱላትን ክኾኑ ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡

“ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኸኣቱ ንኡሽተይ ርሕቐት ቀርዩኒ እናበለ ዝፍክር ዝነበረ ጉጅለ ተገዲዱ ናብ ዝመፅአሉ ተመሊሱ ኢዩ” ኢሎም ኣብ መግለፂኦም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment