ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ብዘይሕጋዊ ሰነድ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣቲዮም ዝነበሩ 676 ኢትጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ብዘይሕጋዊ ሰነድ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣቲዮም ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ማእሰርቲ ጂዳን ሪያድን ዝነበሩ 676 ኢትጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ኣብ ስራሕቲ ዲፕሎማያዊን ጉዳያት ወፃኢን ኢትዮጵያ ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ብዘይሕጋዊ ሰነድ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣቲዮም ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ማእሰርቲ ጂዳን ሪያድን ዝነበሩ 676 ኢትጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ገሊፆም።

ኣብ ቤይሩት ከተማ ሊባኖስን ተኣሲሮም ዝነበሩ 121 ኢትዮጵያዊያን ዜጋታትን ኣብ ጎረቤት ሃገራት ዝነበሩን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ምንቅስቓስ ዲፕሎማሲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብ መግለፂኦም ኣልዒሎም።

ብመሰረት እዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ መበል 75 ዓመታዊ ኣኼባ ሚኒስትራትን ብልምዓት ንድሕሪት ዝተረፋ ሃገራት ኣብ ዝተሳለጠ ዓመታዊ ኣኼባን ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ከምዝተሳተፉ ገሊፆም።

ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር መቐመጢኦም አዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ኣብ ምንቅስቓስ ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ኣይተ ገዱ ኣብ ዝተረኸቡሉ ገለፃ ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment