ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 3 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዝግመት ኣታዊን ወፃኢን ንብረት ኮንትሮባንድ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2013 ብምንቅስቃስ ኮንትሮባንድ ብዝተሰርሐ ስራሕ 3 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዝግመት ኣታዊን ወፃኢን ንብረት ከምዝሓዘ ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ።

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም እናካየደ እንትኸውን፥ ኣብቲ በጀት ዓመት ዝሰርሖም ስራሕቲ ፀብፃብ ብምቕራብ ልዝብ ተገይሩሉ።

ኣብቲ ፀብፃብ ኣብዚ ዓመት ብቐንዱ ኣብ ግምባር ከባቢታት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።

ስለዝኾነ ድማ ካብ ኩሉ እዋን ብዝተፈለየ መልክዑ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ብምትሕብባር ዝተሰርሐ ስራሕ ፅቡቕ ውፅኢት ዘምፀአን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ እናሰርሖ ዝፀንሐ ሽርሒ ምክፍፋል ዘፍረሰ ከምዝኾ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዓመት ብዝተገበረ ክትትልን ጥቡቕ ፍተሸን ብዙሓ መሳርሒታት ኲናት ከምዝተትሓዙ ኣብቲ ፀብፃብ ተመልኪቱ።

ኣብ ምንቅስቃስ ኮንትሮባንድ ብዝተሰርሐ ስራሕ 3 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዝግመት ኣታዊን ወፃኢን ንብረት ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።

ፖሊስ ፌዴራል ኣብ እዋን 6ይ ሃገራዊ መረፃ እቲ መረፃ ብሰካም ንኽዛዘም ልዑል ስራሕ ከምዝሰርሐ ተገሊፁሩ።

ብዘመን በየነ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment