ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ን2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉመን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ን2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ፈታኒ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ኣብ እትርከበሉ እዋን ነቶም ፈተናታት ናብ ዕድል ብምቕያር ብዙሓት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።

እተ ሚኒስቴር ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ሓይሊ ሰብ ብክእለት ንምውዳብ ዝተፈላለዩ ተግባራት ኣብ ውሽጢ ስርዓተ ትምህርቲ ናይ ምክታት ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ስልጠናታት ሃገር ምፍታው ምስ ህርኩትነት ዘተኣሳሰሩ ኢዮም ብምባል፥ ክሳብ 2 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ብሓፂርን ስሩዕን ስልጠናታት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፀን።

ምውፋር ዕድል ስራሕ ሃገራት ወፃኢ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ስልጠናታት ጀሚሩ ክሳብ ምውፋር ዘሎ ስርዓት ብምፍታሽ ኣሰራርሓ ንምቕያር ከምዝተፈተነ እውን ተዛሪበን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ከይዲ ምውፋር ዕድል ስራሕ ናብ ሃገራት ወፃኢ ናብ 14 ብርኪታት ክወርድ ከመዝኸኣለ ድማ ሓቢረን።

ናብ ሃገራት ወፃኢ ዝዋፈሩ ዜጋታት እኹል ምድላው ስነ ልቦና ከምኡወን ብዛዕባ ዝዋፈርሉ ሃገር ፍልጦን ክእለትን ንክህልዎም ትካላት መሰልጠንቲ ቴክኒክን ሙያን ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ንክዳሎን ክኽለስን ከምዝተገበረ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment