ኣብ ዜጋ ተኮር ብዘተገበረ ዲፕሎማሲ 993 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዜጋ ተኮር ብዘተገበረ ዲፕሎማሲ 993 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ዲና ሙፍቲ፥ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣይተ ዲና ኣብ መግለፂኦም፥ ብዜጋ ተኮር ናብ ሃገሮም ካብ ዝተመለሱ 893 ኢትዮጵያውን እቶም 955 ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተመለሱ ከምዝኾ ገሊፆም።

ኢትጵያ ኣብ መበል 75 ዓመት ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ መስራቲት ሃገር ከም ምዃና ንመድረኽ በዓል ብዙሕ ወገን ዘለዋ ቆራፅነት ዘርአየትሉ ከምዝነበረ እውን እቶም ኣቐባሊ ቃል ገሊፆም።

ሪፎርም እቲ ትካል ኣብ ዝተመልከተ መበል 37 ጉባኤ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ እውን ኢትዮጵያ ረብሓኣ ብዝሕሉ መልክዑ ዝተሳተፈትሉ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ሱዳናውያን ዝገበሮ ሓገዝ፥ ብሱዳናውያን ፅቡቕ ስምዒት ዝፈጠረ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ዲና ገሊፆም።

ብመንፅር ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ እውን ጀርመንን ህንዲን ምስ ዝበላ ሃገራት ዘሎ ርክብ ንኽጠናኸር መድረኽ ዘተ ከምዝተሳለጡ ኣብሪሆም።

ብሃታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment