ኣብ ዛምቢያ 27 ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ሓሊፉ ብዝብል ዝተጋወሐ ፀብፃብ ዘፃሪ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ተላኢኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ፌዴሬኢ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ዛምቢያ ሉሳካ ኢትዮጵያውን ኢዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 27 ሰባት ምሟም ስዒቡ ዝምርምር ጉጅለ ናብቲ ቦታ ልኢኹ።

እቲ ሚኒስቴር÷ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ንምእታው ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኢትዮጵያን ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 30 ሰባት ኣብ ሰሜናዊ ማላዊ ብጅምላ ተቐቢሮም ምርካቦም መንግስቲ ማላዊ ቅድሚ ሰሙን ዕላዊ ምግባሩ ስዒቡ መፃረዪ ጉጅለ ከምዝለኣኸ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ጉጅለ ካብ 2 ክሳብ 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ማላዊ ዝነበሮ ፃንሒት ምስ ሚኒስትር እታ ሃገር፣ ምስ ኣገልግሎት ፖሊስ ማላዊ፣ ሓለፍቲ ዲፓርትመንት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ማላዊ ልዝብ ገይሩ።

ጉጅለ መፃረዪ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ÷ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ማላዊ ብጅምላ ዝተቐበሩ ሰባት ከይዲ ምርመራ ዝርከበሉ ብርኪ፣ ተጠርጣሪ ገበነኛታት ተሓተተትቲ ዝኾኑሉ ጉዳይ ኣድሂቡ ልዝብ ገይሩ፡፡

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝርዝር ሓበሬታ ምርካብ ኣብ ዝከኣለሉን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝኽእሉሉ ኩነታት ኣመልኪቶም ዝገበሩ ዘተ ውፅታዊ ኮይኑ ምዝዛሙ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment