ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዛምቢያ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ይካየድ ሎሚ መዓልቲ ኣሎ።
ኮሚሽን ቦርድ መረፃ ዛምቢያ ግልፂን ተኣማኒን ዝኾነ መረፃ ንምክያድ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡
ከይዲ መረፃ ዓለም ለኸ ተዓዘብቲ ከምዝከታተሉዎ ተሓቢሩ፡፡
ፕሬዚዳንት ኤድጋር ሉንጉ ዳግም ንምምራፅ ኣብዝሓ ድምፂ ከምዝፅበዩ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ምስ ሕፁይ ተናሓናሒ ፓርቲ ሃካይንዴ ሂቺሌማ ልዑል ንሕንሕ ከምዝፅበዮም ተገሊፁ፡፡
ኣብ ቀፃሊ ዝምረፅ ፕሬዚዳንት፥ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣብ ምምሕያሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሰፊሕ ስራሕ ንክሰርሑ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ውፅኢት መረፃ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክፍለጥ ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ፍልፍል፡- ቢቢሲ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።