ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዛምቢያ ሉሳካ እናተኻየደ ዝፀንሐ ስሩዕ ኣኼባ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ።
ብምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣኼባ ተሳትፉኡ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።
እቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ በጀት 2023 ሕብረት ኣፍሪካ 654 ነጥ 8 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንኽኸውን ዘፅደቐ እንትኸውን፥ 67 ሚኢታዊ ብመሓዙት ኣካላት ከምዝሽፈን ተገሊፁ፡፡
ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ከይዲ ምፅዳቕ እቲ በጀት፥ ንመኽበሪ ሰላም ዝውዕል በጀት ሙሉእ ብሙሉእ ብዓለም ለኸ መሓዙት ክሽፈን ምግባሩ ግቡእ ከምዘይኮነ ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ ወሳኒ ንዝኾነ ጉዳይ ሰላም ካብ ዝውዕል በጀት፥ ብውሑዱ ኣብዛሓ እቲ ሕብረት ባዕሉ ክሽፍን ከምዝግባእ ዝሓበሩ ኣይተ ደመቀ፥ እቲ ሓሳብ ካልኦት ተሳተፍቲ ሃገራት እውን ደጊፎምዎ።
ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ብምውካል ኣባል ቤት ምኽሪ ኣቪዬሽን ዓለም ኮይና ንኽተገልግል ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ሕፅይቲ ኮይና ዝቐረበተ እንትትከውን፥ እቲ ቤት ምኽሪ ብሙሉእ ድምፂ ተቐቢሉ ኣፅቑዎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ዛምቢያሉሳካ ንክልተ መዓልቲ እናተኻየደ ዝፀንሐ ስሩዕ ኣኼባ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ እናተሳተፈ ዝነበረ ብኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሮ ተሳትፎ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ከምዝተመለሰ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com