ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ሰለተኣዊ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ሰለተኣዊ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ካብ ፅባሕ 29 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ኢዩ።

እቲ ዘተ፥ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እቲ ቴክኒካዊ ኣኼባ፥ ኣብ ዙርያ ኣመላልኣን ኣላቕቓን ማይ እቲ ግድብ ብምድሃብ ዝሳለጥ ምዃኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሰለስተኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካይሮ፣ ካርቱም ከምኡ እውን ኣብ ዋሸንግተን ምስላጡ ይዝከር።

Comments (0)
Add Comment