ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ወፃኢ ዝተሳተፉ ብዙሓት ትካላት ንግዲ ናይ ወፃኢን ውሽጢ ሃገርን ብመሓዝ ብፖሊስ ተታሒዞም።
እቶም ትካላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ትካል ግልጋሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ብምውዳድ ብዘሳለጦ ኦፕሬሽን ኢዮም ተረኺቦም።
ፖሊስ ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፅሖ ሓበሬታ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ኣብ ዝርከቡ እናዳመስተታት ብዝተገበረ ኦፕሬሽን ብዙሓት ናይ ውሽጢ ሃርን ወፃኢ ሃገርን ገንዘባት ተታሒዞም።
እንዳመስተታት ብሽም ሽፋን ይሕጋዊ ንግዲ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ (ዘይሕጋዊ) ኣብ ተግባር ሸርፊ ገንዘብ ተዋፊሮም ከምዝነበረ እውን ተረጋጊፁ፡፡
ብሓፈሻ ኣብ 11 ኣባይቲ ብዝገበረ ስራሕቲ መፅናዕቲን ኦፕሬሽንን ኣብቶም ሓሙሽተ ናይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናይ 15 ሃገራት ገንዘብ ምስ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ፡፡
ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ገንዘባት÷ 2 ሚሊየን 916 ሺሕን 800 ብር፣ 54 ሺሕን 181 ዶላር ኣሜሪካ፣ 34 ሺሕን 50 ዩሮ፣ 305 ፓውንድ እንግሊዝ፣ 7 ሺሕን 719 ሪያል ስዑዲያ፣ 11 ሺሕን 440 ድርሃም፣ 52 ሺሕን ፓውንድ ሊባኖስ፣ 80 ሺሕን 640 ፓውንድ ሱዳን ከምኡ እውን ናይ ዝተፈላለያ ሽዱሸተ ሃገራት ኖታት ገንዘብ ይርከቡዎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com