ኣብ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሓሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ተቐባልነት ረኺቡ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሓሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ተቐባልነት ረኺቡ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣብ ኣርባመንጭ ከተማ ኣብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ጦርነት ናይ ሰብ ህይወት ይቐጥፍ፣ ኢድን እግርን የስእን፣ ንብረት የውድም ፅልኢ የብዝሕ ኢሎም።

ጦርነት ኣይኮነን ኣብ ኣሕዋት ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ማእኸል እንተኾነ አውን ዝፍቶ፣ ዝናፈቕን ዝድለን ነገር ኣይኮነን ኢሎም።

ንሕና ሰላም እንደሊ ህዝብታት ኣብ ኣርባምንጭ ከተማ ዝሰማዕናዮ ዜና ኩሉ ግዘ ዘይንርስዖ ብምዃኑ ጋሞታት እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ናይ ጋሞ፣ ናይ ጎፋ፣ ናይ ወላይታ ናይ ጉራጌን ናይ ስልጤን፣ ናይ ሃድያ ከምኡውን ናይ ከምባታን ናይቲ ኣከባቢ ህዝብታት ብሙሉኡ ኢትዮጵያ አንትትድፈር ናይ ኢትዮጵያ ውላዳት ብግፍዒ እንትቕተሉ፣ ብፍቓድን ብሓጎሰን ብናይ ደቅኹም ደምን ህይወትን ናይ ኢትዮጵያ ሉእላውነት ነምፅናዕ ዓብዪ ዋጋ ስለዝኸፈልኩም ኩልና ኣመራርሓ ነመስግነኩን ኢና ንምባል መፂእና ኣለና ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።

ንሕና ንደሊዮ ሰላምን ምዕባለን ኢዩ፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነበረ ናይ ዘላም መይይጥ ጀጋኑ ናይ ጋሞ ውላዳት፣ ጀጋኑ ውላዳት ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ዝረኸብዎ ታሪኻዊ ዓወት ዳጋም ዘረጋግፅ ናይ ሰላም ዓወት ምርካብ ምኽኣሉ ኣገንዚቦም።

ብየሻምበል ምሕረት

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment