ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም 24 ሚልዮን ኩንታል ንምርካብ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም 24 ሚልዮን ኩንታል ንምርካብ እናተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ እያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኩነታት ዝናብ እዚ ዓመት ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ፅቡቕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ መጀመርታ ክራማት ኣብ ዝተወሰና ከባቢታት ዝናብ ደንጉዩ ከምዝጀመረን ብዝራእቲ ኣዝመራ ክሽፈን ዝነበረ ግሪውቲ ናብ ናይ ፅድያ ዝራእቲ ዝተቐየረሉ ኩነታት ከምዘሎ እውን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ዝራእቲ ዝርአዩ ባልዓትን ፃህያይን ኣብ ምህርቲ ክፍተት ከይፍጠር÷ ሓረስታይ ዝራእቱ ክከታተልን ኬሚካል እናገዝአ ባልዕን ፃህያይን ክከላኸልን ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣብ ዝፋለፈ ዓመት ካብ ዝተተለመ 15 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ 5 ነጥቢ 7 ሚልየን ኩንታል ጥራሕ ከምዝተረኸበ ዝሓሩ እያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር)÷ ኣብዚ ዓመት 24 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳሒ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ምዝዛም ከምዝተበፅሐ ብምሕባር፤ 13 ነሓሰ ዝሳለጥ ናይ ሓደ መዓልቲ ተኸላ ፈልሲ ብዝግባእ ንምውጋን ኩሉ ክረባረብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

Comments (0)
Add Comment