ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት ልዕሊ 18 ሚሊየን 100 ሺሕን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2013/2014 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 18 ሚሊየን 100 ሺሕን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ንምቕራብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ቀረብ እታወት ሕርሻ ዝምልከት መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ባህርዳር የሳልጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ወይዘሮ ኣይናለም ንጉሴ፥ ሕርሻ ዓንዲ ሑቐ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ዓውዲ ንምዝማንን ፍርያት ንምድንፋዕን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ እታወት ናይ ምምላእ ተግባር እናተሳለጠ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።

ብፍላይ ድማ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2013/2014 ዓ.ም ልዕሊ 18 ሚሊየንን 100 ሺሕን ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ እዋኑ ንሓረስቶት ንኽበፅሕ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ዘበናዊ ዱኽዒ፥ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምትእጉጓል ኣብ እዋኑ ናብ ሓረስቶት ንኽበፅሕ ብዝተዋደደ መልክዑ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣፍሊጠን።

እቲ ስራሕ ብዕዉት ኩነታት ንኽትግበር ድማ መዳርግቲ ኣካላት ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብግቡእ ንኽሰርሑ ኣተሓሳሲበን።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተጀመረ መድረኽ ዘተ፥ ኣመራርሓታትን ሰብ ሞያታት ሕርሻን ፌዴራል፣ ክልላትን ዞባታትን ከምኡ እውን ዩኒየናት እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ግዜኣ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment