ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት ልዕሊ 15 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳርያ) ንተረባሕቲ ክቐርብ ኢዩ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት ልዕሊ 15 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳርያ) ንተረባሕቲ ከምዝቐርብ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዓመት 12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኩንታል ዕድጊት መዳበሪያ ከምዝተፈፀመ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎ እዚ 4 ሚሊየን ኩንታል ናብ ሃገር ምእታዉ ተገሊፁ።

ሚኒትር ዲኤታ ሕርሻ ዶክተር ሶፊያ ካሳ ከምዝገለፀኦ፥ መንግስቲ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ዕድጊት ዘበናዊ ዱኽዒ ፈፂሙ ኢዩ።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት 19 ነጥቢ 5 ኩንታል ጠለብ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ልዕሊ 15 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ንተረባሕቲ ከምዝቐርብ ተዛሪበን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ፣ ብኣውረድቲን ፀዓንቲን ዝተፈጠረ ዝተጋነነ ዋጋ፣ ዘይሕጋዊ ኬላታት፣ ኣብ መኻዚን ብቅልጡፍ ብዘይ ምርጋፉ ዝበሉ ፀገማት ኣጋጢሞም ኢዮም ብባሉ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment