ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዘርኢ ምጥፋእ ጠመተ ዝገበረ ናይ ፅልኣት ዘረባ ንምግታእ ሓበራዊ ፃዕሪ ንክግበር ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣዳማ ዴንግ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝተሳለጠ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምክልኻል ምጥፋእ ዘርኢ ዝተሳተፉ ኣዳማ ዴንግ፥ ኣብ 1994 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሩባንዳ ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ዝተፈፀመን ኣስታት 1 ሚሊየን ዜጋታት ዝተቐተልሉ ወፍሪ ምጥፋእ ዘርኢ ኣዘኻኺሮም።
ስለዝኾነ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ናይ ካልኦት ሃገር ዜጋታት ምፅላእ ከምኡውን ኩሉ ዓይነት ዘይምክእኣላት ንምቅላስ ዝተዋደደ ህፁፅ ስጉምቲ ንክውሰድ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ናይ ፅልኣት ዘረባ ብባዕሉ ምክእኣል፣ ምድማር፣ ብዙህነት፣ ደንቢታት ሰብኣዊ መሰልን መትከላትን ምግሃስ ኢዩ ክብሉ ብኣፅንኦት ምግላፆም ዥንዋ ፀብፂቡ።