ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ዘተኮረ መድረክ ምኽክር የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ሰላም እቲ ዞባ ካብ ምሕላው ኣንፃር ብምንታይ መልክዑ ምስራሕ ከምዝግባእ ላዕለዎት ኣማኸርቲ እቲ ተጠባባቒ ሓይሊ እናተዛተዩ ይርከቡ።
ኣብቲ እዋን ድማ ኣብቲ ዞባ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ጎንፂ ዝፍጠረሉ ዞባ ስለዝኾነ፥ ጎንፂ ቅድሚ ምፍጣሩ ሰላም እቲ ቀጠና ንምሕላው ከምኡ እውን ጎንፂ ምስተፈጠረ ጎንጺታት ንምህዳእ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኩለን ኣባል ሃገራት ሰላምን ድሕንነትን ምብራቕ ኣፍሪካ ንምሕላው ድሉው ከምዝኾኑ ዳይሬክተር ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ብርጋዴር ጀነራል ጌታቸው ሽፈራው ተዛሪቦም።
እቲ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ኢዩ።
ብቅድስት ተስፋዬ
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።