ኣብ ዓድዋ ብኽብሪ ዘይተዋደቐን ንዓወት ዘይተቃለሰን ኢትዮጵያዊ የለን – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓድዋ ብኽብሪ ዘይተዋደቐን ንዓወት ዘይተቃለሰን ኢትዮጵያዊ የለን ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ከንቲባ ኣዳነች መበል 127 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን፡፡

ኣብ መልእኽተን ድማ÷ “ዓወት ዓድዋ ዘለኣለማዊ ዓወት ህብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ክኸውን ዝኸኣለ፤ ብብቕዓት ኣፈፃፅማ ዝጠንከረ፣ ብስፍሓት ተሳትፎ ዝተዋደደ፣ ብፅንዓት ዕላማ ዝተቐመረ ምዃኑ ኢዩ” ኢለን፡፡

ዓድዋ ውልቃዊ ክብሪን ኩራን ብሓቀኛ ፍቕሪ ኢትዮጵያ ንኽትካእ ዝገበረ ድሙቕ ዓወት ብምዃኑ ኩርዓት ይስመዐና ክብላ ገሊፀን፡፡

ዓድዋ ኣተሳሲሩና፤ ኣዋሂዱና ኢዩ ኢለን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፡፡

ዓድዋ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኣፍሪካ ከምኡ እውን ንመላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ትንፋስ ናፅነት ክኸውን ዝኸዛለ፤ ሓድነት ምስ ጅግንነት፣ ፅንዓት ምስ ዕላማ ኣተሓባቢሩ ዝሓዘ ምልክት ብምዃኑ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ዛሬም በዓድዋ መንፈስ ሆነን፤ በድሉ ብስራት ጠንክረን ኢትዮጵያ የምትጠብቅብንን ደማቅ ታሪክ ዳግም መስራት መቻል አለብን በማለት ነው የገለጹት

እተን ከንቲባ፥ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንፈስ ዓድዋ ብምዃን፤ ብብስራት እቲ ዓወት ጠንኪርና ትዮጵያ ትፅቢት ትገብረልና ድሙቕ ታሪኽ ዳግም ክንሰርሕ ይግባእ” ክብላ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment