ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ንልዕሊ 18 ሺሕ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ ንኣገልግሎት በቒዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓዲ-ዳዕሮ 18 ሺሕን 500 ነበርቲ ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ተገሊፁ፡፡

ተወካሊ ቢሮ ሃፍቲ ማይን ኢነርጂን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዮሃንስ መለሰ (ኢ/ር)÷ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ዋን ዋሽ ኢንተርናሽናል ምስ ዝተሰመየ ትካል ገባሪ ሰናይ ብዝተረኸበ ሓገዝ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 6 ነጥቢ 9 ኪሎ ሜትሮ ኳዕቲን ዝርገሐ መስመር ቱቦ ማይን ብምውጋን ንኣገልግሎት ክበቅዕ ከምዝተገበረ ኣልዒሎም፡፡

እቲ ፕሮጀክት መስተ ማይ 18 ሺሕን 500 ንዝኾኑ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ዳዕሮን ከባቢኣን ተረባሕቲ ከምዝገብር ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment