ኣብ ዓዲግራት ብ1 ቢሊየን ብር ህንፀት መሰረተ ልምዓት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብ1 ቢሊየን ብር ህንፀት መሰረተ ልምዓት ከምዝሳለጥ ጊዚያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ከንቲባ ጊዚያዊ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰለሙን ሓጎስ፥ ኣብታ ከተማ ዝረኣዩ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝሕግዙ መሰረተ ልምዓታት ኣብዚ ዓመት ክህነፁ ኢዮም ኢሎም።

ካብ መንጎ እቶም ዝህነፁ፥ መገዲታት፣ መከላኸሊን መእለዪን ውሑጅ ከምዝርከብዎም ተዛሪቦም።

ብፍላይ ካብ ገፀር ናብ ከተማ ዝኣተዉ መንደራት ዘራኽብ ውሽጢ ውሽጢ መገዲታት ፀፀር ሓዊሱ ህንፀት ዝርገሐ መስመራት ኤሌክትሪን ማይን ከምዝካየድ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ተጀሚሩ ዘይተዛዘመ 3 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ኣስፋልት፣ ተወሰኽቲ ጉድጓዳት መስተ ማይን ዝርገሐ መስመርን ክካየድ ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment