ኣብ ዓዲግራትን ውቕሮን ከተማ ናይ መብራህቲ ግልጋሎት ኣብ ክልተ መዓልቲ ውሽጢ ክጅምር እዩ-ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዓዲግራትን ውቕሮን ከተማ ናይ መብራህቲ ግልጋሎት ኣብ ክልተ መዓልቲ ውሽጢ ክጅምር እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ብልፅግና ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

ዶ/ር ኣብርሃም ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተረኺቦም ምስ ሽማግለ ዓዲ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዘተ ኣካይዶም።

ኣፍቲ ዘተ እቶም ሽማግለ ዓዲ ተቋሪፆም ዝነበሩ ብፍላይ መብራህቲ፣ ቴሌኮምን ማይን ግልጋሎት ብፍጥነት ናብ ግልጋሎት ክምለስ ሓቲቶም።

ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ብወገኖም ዝተወሰደ መሰረተ ልምዓት ብፍጥነት ናብ ግልጋሎት ክምለስ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፤ ዓዲግራት ውቕሮ ኣብዚ ክልተ መዓልቲ ግልጋሎት መብራህቲ ክጅምር እዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment