ኣብ ዓውዲ ጥዕና ሱር ቦቆስ ለውጢ መፂኡ- ዶ/ር መቅደስ ዳባ

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ሱር ቦቆስ ለውጢ መፂኡ- ዶ/ር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓውዲ ጥዕና ሒደት ዓመታዊ መመሓየሺታት ኣወዳድባ ብምትግባር ሱር ቦቆስ ለውጢ ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ዓውዲ ጥዕና ቁልፊ ኣፈፃፅማ ሰትራቴጂክ ኣንፈታት ዝጥምት ዘተ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሚኒስቴር ኣሳሊጠን።

ከም ሃገር ዘጋጠሙ ሕልኽላካት ብምሕላፍ ዝተቐመጡ ሸቶታት ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ምግላፀን ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመሓየሸ ፖሊሲ ጥዕና ብምፅዳቕ ናብ ተግባር ምእታዉ፣ ኣዋጅ ምምሕዳርን ቁፅፅርን ጥዕና ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምፅዳቑን ኣብቲ ዓውዲ ውፅኢታት ምምዝጋቦምን ተዛሪበን።

Comments (0)
Add Comment