ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣመዝጊባ ኢያ ክብሉ ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ኣብ ኣልጄሪያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ 3ይ ኮንፈረንስ ስታርታፕ ፓን ኣፍሪካ በቶም ሚኒስትር ዴኤታ ዝተመርሐ ልኡኽ እናተሳተፈ ይርከብ፡፡
ኣብዚ እዋን እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዝበረታትዑ ውፅኢታት ከምዘመዝገበት ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡
ንኣብነት ድማ ኣብ ዓውዲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት፣ ኣገልግሎት ገንዘብ ሞባይል፣ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነትን ዓውዲ ቴሌኮም ንዕዳጋ ናፃ ብምግባር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘመዝገበቶ ዕቤት ኣብሪሆም፡፡
ኣብቲ ኮንፈረንስ ካብ ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 25 ሺሕ ተሳተፍቲ፣ ልዕሊ 300 ሰብሃፍቲን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተኣኻኸቡ ስታርታኣፓት እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ሓሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀሪያ የመላኽት።