ኣብ ዓውዲ ኮሙኒኬሽን ሓሳባት ኢትዮጵያ ንዓለም ናይ ምፍላጥ ስራሕ ብስፍሓት ከምዝስራሕ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ኣብ ውሽጢ ሃገር ወርዓት ኮሙኒኬሽን ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ሓሳባትን ዓቕሚታትን ኢትዮጵያ ንዓለም ናይ ምፍላጥ ስራሕ ብስፍሓት ከምዝስራሕ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ካሳ÷ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2016 ዓቕሚ እቲ ትካል ዘጠናኽሩ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ተዛሪበን።

እቲ ኣገልግሎት ኣድማስ ስራሕቱ ብምስፋሕ ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ፍፃመታት ሰፊሕ ተሳትፎ ከምዝገበረ ገሊፀን።

ውዳበ ኮሙኒኬሽንን ዓቕሚ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘዕብዩን ተግባራት ከምዝተሳለጡ እውን ኣብሪሀን፡፡

ንኣብነት ድማ ንሰብ ሞያን ኣመራርሓን መራኸብቲ ሓፋሽ ህዝቢን ግዲን ስልጠናታት ህንፀት ዓቕሚ ከምዝተውሃቡ ብምፅራሕ፤ ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ቀዋሚ ስርዓት ርክብ ብምዝርጋሕ ሓበሬታታት ብስሩዕ ተበፃሕቲ ናይ ምግባር ስራሕ ከምዝተወገነ ገሊፀን።

ኣብ በጀት ዓመት 2017 ሃገራዊ ዓቕሚታት ብመውፃእ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘደንፍዑ ስራሕቲ ብዕቱብ ከምስርሑ ኣመልኪተን።

ካብዚ ብተወሳኺ ስርዓት ኮሙኒኬሽን ምጥንኻርን ኣድማስ ናይ ምስፋሕን ስራሕ ብምስራሕ ኣድማስ ፅዕንቶ ብምዕባይ ኣብ ኣፍሪካ ኢሉ እውን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ሓሳብን ዓቕሚን ኢትዮጵያ ናይ ምፍላጥ ስራሕ ብዕቱብ ከምዝስራሕ ንግዜኢ ተዛሪበን።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment