ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ብዘላቒነት ተወዳዳሪ ንምዃን ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ኣቪዬሽን ቴክኖሎጂ ብቐፃልነት ምህናፅ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ብዘላቒነት ተወዳዳሪ ንምዃን ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ኣቪዬሽን ቴክኖሎጂ ብቐፃልነት ምህናፅ ይግባእ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ጌታቸው መንግስቴ ተዛሪቦም።

ጎኒ ንጎኒ ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ዝተኸፈተ ፈላማይ ኤክስፖ ኣቪዬሽንን ኢኖቬሽንን ሲምፖዚየም ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፥ ሓደ ክፍለ ዘበን ዘቑፀረ ታሪኽ ኣቪዬሽን ወኒንና ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብዝተደለየ መገዲ ኣይሰራሕናን ኢሎም።

ነዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ንኢንዱስትሪ ዝተውሃቦ ቆላሕታ ትሑት ከምዝኾነ መርኣዪ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ንኢንዱስትሪ ዘተባብዑ ስራሕቲ የስርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ኣብ ቀፃሉ ክህነፅ ንዝሕሰብ መዕባነ ኢኖቬሽን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣይተ ጌታቸው መንግስቴ ብግደኦም፥ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ብዘላቒነት ተወዳዳሪ ንምዃን ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ኣቪዬሽን ቴክኖሎጂ ብቐፃልነት ምህናፅ ይግባእ ኢሎም።

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment