ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚን ካልኦት ዓውዲታትን ዝተረኸቡ ውፅኢታት መንግስቲ ቃል ብተግባር እናፈፀመ ምዃኑ ዘመላኽቱ ኢዮም – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚን ካልኦት ዓውዲታትን ዝተረኸቡ ውፅኢታት መንግስቲ ቃል ብተግባር እናፈፀመ ምዃኑ ዘረጋግፁ ከምዝኾኑ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ገምጋም ኣፈፃፅማ ናይ መወዳእታ 100 መዓልቲታት እዚ በጀት ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ።

ኣይተ ኣይተ ኣደም ፋራህ እቲ ገምጋም ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ንምዕዋት ንህዝቢ ቃል ዝኣተዎም ሸቶታት ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ማኒፌስቶ እቲ ፓርቲ ዝተቐመጡ ሸቶታት ብተግባር ጋህዲ ንምግባር እዚ ዓመት ሓዊሱ በቢእዋኑ ገምጋም ኣፈፃፅማ ከምዝግበሩ ብምሕባር÷ ኣብቶም ገምጋማት እውን ቃል ብተግባር ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።

ንኣብነት ድማ መንግስቲ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ሓሙሽተ ዓበይቲ ኢኮኖሚታት ሓደ ናይ ምግባር ትልሚ ንህዝቢ ብዕሊ ከምዘፍለጠ ኣዘኻኺሮም፡፡

ብዓሚቕ ሃገራዊ ፍርያት ኣብ ሓፂር እዋን 205 ቢሊየን ዶላር ብምብፃሕ ብዕፅፊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ከምኡአ እውን ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣታዊ ዕቤት ከምዝመፅአ ገሊፆም።

ልዕሊ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብምልማዕ 100 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ብምውሳኽ መፍረያይነት ምዕባይ ከምዝተኽኣለ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሓዊሱ ኣብቲ ዓውዲ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ነባር ኢንዱስትሪታት ናብ ሙሉ ዓቕሞም ንኽሰጋገሩን ሓደሽቲ ኣልማዕቲ ናብ ምፍራይ ዘፈር ንኸኣትዉን ምግባር ከምዝተኽኣለ እውን ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ዓውዲ ቱሪዝምን መዓድንን ዘለዉ ዓሞቕቲ ፀጋታት ናይ ምፍላይን ምልማዕን ስራሕ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣብቲ ዓውዲ ኢንቨስት ንኽገብሩ ኣብ ምኽኣል ንምዕል ሃገር ዘድልዩ ተግባራት ከምዝተሰርሑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment