ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝሓሸ ውፅኢት ንምምፃእ ስራሕቲ ብዕምቆት ብምግምጋም ክንሰርሕ ይግባእ- ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝሓሸ ውፅኢት ንምምፃእ ስራሕቲ ብዕምቆት ብምግምጋም ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ ገሊፀን።

እቲ ሚኒስቴር ካልኣይ ዙር ኣፈፃፅማ ትልሚ 100 መዓልታት ዝገምገመ እንትኸውን፥ እቶም ስራሕቲ ዘተባብዑ ከምዝኾኑ ወ/ሮ ዳግማዊት ሓቢረን።

ኣብ ቀፃሊ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ብምውዳድ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን።

መሰረተ ልምዓታት ኣብ ምምሕያሽ፣ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ትራንስፖርት ኣብ ምምሕያሽ፣ ናውቲታት እቶት ኣገልግሎት ፅዕነትን ትራንስፖርት ሎጂስቴክስን ኣብ ወደብ ዝህልዎም ፃንሒይጨት ብምቕናስ፣ ሽፋን መድሕን ሳልሳይ ወገን ክብ ብምባል ክስራሕ ከምዝግባእ ድማ ኣብሪሀን።

ብብርኪ ሃገር ዝተዋደደ ትራፊክ መገዲን ቁፅፅር ሕጊን ናይ ምጥንኻር ስራሕቲ ክስራሕ ይግባእ ምባለን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment