ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂንን ዩንቨርስቲ ባህርዳርን ንክልተ ኣዋርሕ ብዓውዲ ቴክኖሎጂ ንዘለዎም ምህዞ ሓሳብ ቢዚነስ ንዘወዳደሮም ሞያተኛታት ኣፍልጦ ሂቦም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላን(ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቦም።
ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝተዋፈሩ ፈጠርቲ ዕድል ስራሕ መናእሰይ ንምትብባዕ ብመንፅር ዝተተሓዘ ልኡኽ፥ እቲ ሚኒስቴር ንዝተመረፁ ስታርትኣፕ ተወዳደርቲ ስልጠና እናሃበ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።
ብደሳለኝ ቢራራ