ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝጠመተ ኤክስፖ ክዳሎ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝጠመተ ኤክስፖ ክዳሎ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ኤክስፖ፥ “ስትራይድ ኢትዮጵያ 2024″ ብዝብል ስያመ ከምዝዳሎ ተገሊፁ።

እቲ “ኣፍደገ ሳይንስ ክኽፈት ኢዩ፤ ቴክኖሎጂ ከዛምደና ኢዩ፤ ምህዞ ንቕድሚት የጓዕዝ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ኤክስፖ፥ 10 ግንቦት 2016 ዓ.ም ኣብ ፓርክ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ከምዝኽፈት ሚኒስትር ዴዔታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ይሽሩን ዓለማየሁ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

ካብ 11 ክሳብ 18 ግንቦት 2016 ዓ.ም ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ኣዲስ ኣበባ ንህዝቢ ክፍቲ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ልዕሊ 30 ትካላት መንግስቲ፣ ልዕሊ 40 ባንክታትን ትካላት ኢኮሜርስን፣ ልዕሊ 30 ኩባኒያታት ከምኡውን ልዕሊ 50 ተዋሳእቲ ውልቀ ዓውዲ ከምዝሳተፉ ሓቢሮም።

ብመራኦል ከድርን ሃይማኖት ወንድራድን

Comments (0)
Add Comment