ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ብምግቢ ርእስኻ ካብ ምኽኣል ሓሊፎም ንሉኣላዊነት ኢኮኖሚ መሰረት ዘንብሩ ኢዮም- ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ብምግቢ ርእስኻ ካብ ምኽኣል ሓሊፎም ንሉኣላዊነት ኢኮኖሚ መሰረት ዘንብሩ ከምዝኾኑ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዞባ ጅማ እናተሳለጡ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓትን ምንቅስቓስ ልምዓት ዩኒቨርሲቲ ቦንጋን ተዓዚቦም፡፡

ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ሚኒስትራት ኣብቲ ከባቢ እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ከም ሃገር ዓብዪ ዓቕሚ ስግግር ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ብምግቢ ርእስኻ ካብ ምኽኣል ሓሊፎም ንሉኣላዊነት ኢኮኖሚ መሰረት ዘንብሩ ከምዝኾኑ እቶም ሓለልፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብሪሆም።

ኣብ ዘርተፈላለዩ ከባቢታት ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ዝነኣዱ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።

ከም ሃገር ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚን ልምዓት ሕርሻን ለውጢን ዝላን እናተርኣዩ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment