ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ።

“ትራንስፎርሜሽን ሎጂስቲክስ ንዘላቒ ምዕባለን ዕብየትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ኣፍልጦ ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ ናይ ዝነበረ ኣፈፃፅማ እቲ ዓውዲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፣ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ፣ ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ደበሌ ቃበታን ኣመራርሓ ሰብ መዚ ማራታይም ኢትዮጵያን ተረኺቦም።

ኣለሙ ስሜ ( ዶ/ር)፥ ዓቕሚን ኣፈፃፅማን ዓቕሚ ሎጂስቲክስ ክብ ንምባል ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

 

Comments (0)
Add Comment